ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ

እዚ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ዝቘመን ዝካየድን ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ መርሓ-መደበን ራእይን ዕላማን እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ድማ፡ እቲ መርሓ-መደበን ራእይን ዕላማን ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ንባዕሉ እዩ። ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ኸኣ፡ ማሕበር ክርስቶስ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ የማናይ ኢዳ ዝሃበቶን (Endorsed) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተመዝጊቡ ሕጋዊ መሰሉ ዝለበሰን ተጠቃሚ ዅሉ መሰል ዘይ-ረብሓዊ (Not-for-profit Section 501(c)(3) Of The Internal Revenue Code) ድርጅት ዝዀነን ኣገልግሎት እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኸኣ፡ ብፍላይ ነቲ ኣገልገልቲ ንምዕጣቕ ዝዓለመ ራእይ እዚ ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ እዚ ንኽፍጽም እተጀመረ ቤት ትምህርቲ እዩ።

መደብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ

ቤት ትምህትርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ዝውዳእ ትምህርትታት ዝህብ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቶም ዝውሃቡ ትምህርትታት ድማ ዕስራ ዀይኖም፤ ዓሰርተው-ኣርባዕተ ኻባታቶም ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮት (Theological Studies)፡ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ኻባታቶም ድማ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ (Biblical Studies) እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ቀዳሞት ሾብዓተ ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮትን (Theological Studies) ሰለስተ ትምህርትታት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን (Biblical Studies)፡ ብድምር ዓሰርተ ትምህርትታት፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዓመት ይውሃቡ። እቶም ዝተረፉ ሾብዓተ ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮትን (Theological Studies) ሰለስተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን (Biblical Studies)፡ ብድምር ዓሰርተ ትምህርትታት ድማ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ዓመት ይውሃቡ። እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝውሃቡ ትምህርታት ከኣ፡ ኣኣብ ሓሙሽተ መቕርሕ (module) ተመቓሪሖም ይውሃቡ። ሓደ መቕርሕ (module) ድማ ሸሞንተ ሰሙናት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ኸኣ፡ ኣብ ሰሙን ሰሰለስተ ስዓት እናወሰደ፡ ኣብ ሾመንተ ሰሙን ይውዳእ። ስለዚ እቲ ንሓደ ትምህርቲ እተመደበሉ ጊዜ፤ ብሰሙን ሾመንተ ሰሙን፡ ብመዓልቲ ዓሰርተው-ሽዱሽተ መዓልቲ፡ ብሰዓት ድማ ዕስራን-ኣርባዕተን ስዓት እዩ።
ቀዳማይ ዓመት፦
  • ትምህርቲ ቕዱሳት ጽሑፋት
  • ትምህርቲ ሰብን ሓጢኣትን
  • ትምህርቲ ስነ-ኣፈታትሓ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ትንተናዊ መጽናዕቲ መልእኽቲ ኤፌሶን
  • ትምህርቲ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ
  • ትምህርቲ ስላሰ እግዚኣሄር
  • ትምህርቲ ምድሓን
  • ትምህርቲ ስላሰ እግዚኣብሄር ካልኣይ ክፋል
  • ትምህቲ መንፈስ ቅዱስ
  • ትንተናዊ መጽናዕቲ ትንቢት ዳንኤል
ካልኣይ ዓመት፦
  • ትምህቲ ኪዳናትን መጋቢነታትን
  • ትምህርቲ መጽሓፍ ዘፍጥረት
  • ትምህርቲ ማሕበር ህያው ኣምላኽ
  • ትንተናዊ መጽናዕቲ 1ይ ጢሞቴዎስ
  • መልእኽቲ ሮሜ
  • ትምህርቲ ቕዱሳንን ርኹሳትን መላእኽቲ
  • መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ
  • ትምህርቲ ስነ-መወዳእታ
  • ካልቪንነትን ኣርመንነትን ኣብ መንጽር ቅዱሳት ጽሑፋት
  • ታሪኽ ቤተ ክርስትያን

How To Contact Us

We'd love to hear from you. Fill out the form below to get started.