ሓዳስ መጽሓፍ “ማሕበር ህያው ኣምላኽ (ቅጺ-2)”

እዛ ብፓስተር ይስሃቅ ሓይልኣብ ብውሕሉል ላዛን ኣገባብን እተጻሕፈት መጽሓፍ እዚኣ ንቤተክርስትያን ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣመንትን፡ ኣገልገልትን፡ መራሕትን ብፍላይ ብቐሊል ዘይግመት ተራ ኣለዋ።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ እዞም ዝስዕቡ ኣበርክቶታት ክህልውዋ እዮም፥

  • ኣብ ምህናጽን ምምልማልን "ብቑዓት ኣመንትን ኣገልገልትን መራሕትን" ዓብይ ተራ ኣለዋ።
  • ኣብ ምድልዳል "ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ኤርትራ" ተራኣ ዕዙዝ ክኸውን እዩ።
  • ማሕበር ህያው ኣምላኽ ብቕኑዕ ማእዝን ንምቕናዕ ሕብረተሰብ ብሓደ ሸነኽ፡ ንዕዮ ወንጌል በቲ ሓደ፡ ምቹእ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር "ጽልውኣ" እምብዛ ዓብይ እዩ።
  • ኣብ ምስናቕ "ሚዛናዊ ፍልጠት" ንቕኑዕ ኣነባብራ ህይወት፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተራኣ ዕዙዝ እዩ።
  • ብኣቃውማ ሰዋስዉን ልዙብ ኣውዳድቓ ቓላትን፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ "ንዕቤት ቋንቋ ትግርኛ" ተራኣ ወሳኒ እዩ።

ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ

ዕዩ ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ፡ ኣብ ምድላው መራሕትን ኣገልገልትን እቲ ህያው ቃል ኮይኑ፡ ንምህናጽ ማሕበር ክርስቶስ፡ ንቅድሳን ንኣገልግሎት ምዕጣቕ እዩ።

ትንተናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ተኸታታሊ ስብከታት

ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ

እዚ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ዝቘመን ዝካየድን ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ መርሓ-መደብን ራእይን ዕላማን እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ድማ፡ ምምሃር እቲ ህያው ቃል ሓቂ እዩ። ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ኸኣ፡ ማሕበር ክርስቶስ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ የማናይ ኢዳ ዝሃበቶን (Endorsed) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተመዝጊቡ ሕጋዊ መሰሉ ዝለበሰን ተጠቃሚ ዅሉ መሰል ዘይ-ረብሓዊ (Not-for-profit Section 501(c)(3) Of The Internal Revenue Code) ድርጅት ዝዀነን ኣገልግሎት እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኸኣ፡ ብፍላይ ነቲ ኣገልገልቲ ንምዕጣቕ ዝዓለመ ራእይ እዚ ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ እዚ ንኽፍጽም እተጀመረ ቤት ትምህርቲ እዩ።

መደብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ

ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ዝውዳእ ትምህርትታት ዝህብ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቶም ዝውሃቡ ትምህርትታት ድማ ዕስራ ዀይኖም፡ ዓሰርተው-ኣርባዕተ ኻባታቶም ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮት (Theological Studies)፡ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ኻባታቶም ድማ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ (Biblical Studies) እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ቀዳሞት ሾብዓተ ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮትን (Theological Studies) ሰለስተ ትምህርትታት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን (Biblical Studies)፡ ብድምር ዓሰርተ ትምህርትታት፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዓመት ይውሃቡ። እቶም ዝተረፉ ሾብዓተ ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮትን (Theological Studies) ሰለስተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን (Biblical Studies)፡ ብድምር ዓሰርተ ትምህርትታት ድማ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ዓመት ይውሃቡ። እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝውሃቡ ትምህርታት ከኣ፡ ኣኣብ ሓሙሽተ መቕርሕ (module) ተመቓሪሖም ይውሃቡ። ሓደ መቕርሕ (module) ድማ ሸሞንተ ሰሙናት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ኸኣ፡ ኣብ ሰሙን ሰሰለስተ ስዓት እናወሰደ፡ ኣብ ሾመንተ ሰሙን ይውዳእ። ስለዚ እቲ ንሓደ ትምህርቲ እተመደበሉ ጊዜ፡ ብሰሙን ሾመንተ ሰሙን፡ ብመዓልቲ ዓሰርተው-ሽዱሽተ መዓልቲ፡ ብሰዓት ድማ ዕስራን-ኣርባዕተን ስዓት እዩ።
ቀዳማይ ዓመት
  • ትምህርቲ ቕዱሳት ጽሑፋት
  • ትምህርቲ ሰብን ሓጢኣትን
  • ትምህርቲ ስነ-ኣፈታትሓ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ትንተናዊ መጽናዕቲ መልእኽቲ ኤፌሶን
  • ትምህርቲ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ
  • ትምህርቲ ስላሰ እግዚኣሄር
  • ትምህርቲ ምድሓን
  • ትምህርቲ ስላሰ እግዚኣብሄር ካልኣይ ክፋል
  • ትምህቲ መንፈስ ቅዱስ
  • ትንተናዊ መጽናዕቲ ትንቢት ዳንኤል
ካልኣይ ዓመት፦
  • ትምህቲ ኪዳናትን መጋቢነታትን
  • ትምህርቲ መጽሓፍ ዘፍጥረት
  • ትምህርቲ ማሕበር ህያው ኣምላኽ
  • ትንተናዊ መጽናዕቲ 1ይ ጢሞቴዎስ
  • መልእኽቲ ሮሜ
  • ትምህርቲ ቕዱሳንን ርኹሳትን መላእኽቲ
  • መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ
  • ትምህርቲ ስነ-መወዳእታ
  • ካልቪንነትን ኣርመንነትን ኣብ መንጽር ቅዱሳት ጽሑፋት
  • ታሪኽ ቤተ ክርስትያን

Get In Touch

We'd love to hear from you. Fill out the form below to get started.